ትግሪኛ TIGRINJA
ጉጅለ ጥዕና ኣእምሮ ንስደተኛታት፦
ከተዛራርቦ እትኽእል ሰብ ክትረክብ ትደሊ ዲኻ፧
ብዙሕ ዘተሓሳስበካ ነገር ኣሎካ ድዩ፧ ደኺምካ ዲኻ፧ ውጥረት ኣሎካ ድዩ፧ ድቃስ ይኣብየካ
ኣሎ ድዩ፧
ኣባና ኣብ ጉጅለ ጥዕና ኣእምሮ ንስደተኛታት፡ ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ኣማኻሪ ጥዕና
ኣእምሮ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
ምስጢር ናይ ምሕላው ሕጋዊ ግዴታ ኣሎና። እቲ መሰናድዎ ብናጻ እዩ፣ ተርጓሚ ክንጥቀም
እውን ንኽእል ኢና።
በዚ ዝስዕብ ቍጽሪ ተሌፎን ደውለልና ወይ ጽሓፈልና፦ 40 40 59 04።
ኣብ ሳንዲቪካ ኣብ ኮሙነጎረን ክንራኸብ ንኽእል ኢና።
ኣድራሻኡ Arnold Haukelands plass 10.